ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝፈናቐሉ ተጋሩ፣ ኣብ ሓደ መዓስከር ክዕቆቡ ምዃኖም ተገሊጹ

Radio Erena: 24 March 2022

ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ንዝፈናቐሉ ኣሽሓት ተጋሩ፣ ኣብ ሓደ መዓስከር ንምዕቛቦም ይስርሓሉ ምህላዉ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ መርበብ ዜና፣ ንኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ተፈናቒሎም ኣብ ከባቢ ቆቦን ራያን ዝርከቡ ኣስታት 56 ሽሕ ተጋሩ፣ ናብ ሓደ መዓስከር ንምግዓዞም መደብ ተጻፊፉ ኣሎ።

ምስ ክልል ኣምሓራ ካብ ዘዋስንን ከባቢታት፣ ካብ መነባብሮኦም ዝተፈናቐሉ ኣሽሓት ተወላዶ ትግራይ ጥራይ ዝዕቖብሉ መዓስከር ዝቖመሉ ቦታ ተመሪጹ ከምዘሎ ‘ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

እቲ ንተውላዶ ትግራይ ጥራይ ከዕቑብ ተባሂሉ ዝተመርጸ መዓስከር፣ 57 ኪሎሜተር ንደቡብ ካብ ወልድያን 20 ኪሎሜተር ድም ንምዕራብ ካብ ጭፍራ ክልል ዓፈርን ርሒቑ፣ ኣብ ሰሜን ወሎ፣ ሃብሩ ወረዳ ጃራ፣ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ክድኮን ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ካብ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እናሃደሙ ናብ ክልል ኣምሓራ ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ብዝሒ ‘ውን እናዛየደ ይምጸ ከምዘሎ’ዩ እቲ ኮሚሽን ዝገልጽ።

ይኹን’ምበር ተወላዶ ትግራይ ጥራይ ዝዕቖብሉ መዓስከር፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምቛም፣ ብዘይካ’ቲ ዝህልዎ ፖለቲካዊ ጽልዋ፣ ንውሕስነትን ጸጥታን እቶም ተፈናቐልቲ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከይከውን ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምእንቲ ሰብኣዊ ኩነታት ክብል ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት ደው ከብል ከምዝወሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ኩነታትን ተወሳኺ ደም ከይፈስስን ብምባል በይናዊ ምቑራጽ ተዅሲ ከምዝኣወጀ ብምሕባር፣ ሓይልታት ትግራይ ‘ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ዝውስን ዘሎ፣ ምስ ሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ዳቪድ ሳትርፊልድ ምስ ተመያየጠን፣ ባይቶ ኣመሪካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ተሪር እገዳ ክውስን ከምዝኽእል ኣብ ዝስመዓሉን ዘሎ እዋንን’ዩ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0