ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ከምዝሰሓቡ ክገልጹ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ፣ ተመሊሶም ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ተቖጻጺሮም

Radio Erena: 13 December 2021

ካብ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ይስሕቡ ከምዘለዉ ክገልጹ ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ፣ ተመሊሶም ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ከባቢታቱን ከምዝተቖጻጸሩ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ወልድያ ናብ መቐለ ዘራኽብ መስመር ከምዝበተኸ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ”ኣብ ግንባር ጋሸና ከጥቅዕ ንዝጸንሐ እኽብካብ ገዚፍ ሓይሊ’ ንዝበልዎ፣ ብዘካየድሉ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከምዘውረድሉ ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ‘ተደምሲሱን ተበታቲኑን’ ዝብሎ ዘሎ ሓይልታት ትግራይ እናሰዓበ ናብ መቐለ ይግስግስ ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት።

ሓይልታት ትግራይ ብኣንጻሩ፣ ካብ ክልላት ኣምሓራን፣ ዓፈርን ሸዋን ዝሰሓብሉ ምኽንያት፣ ቦታ ናይ ምትዕርራይ ስልቲ ምዃኑ ብምጥቓስ፣ ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ዝሓየለ ስርሒት ንምክያድ መደብ ከምዘለዎም የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0