‘ካብ እስራኤል ናብ ካናዳ ብስፖንሰር ከምጽኣካ’የ’ ብዝብል፣ ልዕሊ 38 ሽሕ ዶላር ዘታተለ ኤርትራዊ፣ ነቲ ገንዘብ ናብ ዋንኡ ክምለሶ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

Radio Erena: 18 May 2023

ካብ እስራኤል ናብ ካናዳ ብስፖንሰር ከምጽኣካየ ብዝብል፣ ካብ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ልዕሊ 38 ሽሕ ዶላር ዝወሰደ ኤርትራዊ፣ ነቲ ገንዘብ ናብ ዋንኡ ክመልስ ቤት ፍርዲ በይኑ።

ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ብ17 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ እቲ ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ናንያሞ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፣ ኣብ እስራኤል ንዝነብር ካልኦ ኤርትራዊ፣ ብጉልባብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስፖንሰር፣ ናብታ ከተማ ከምጽኦ ከምዝኽእል ብምጥቃስ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሓት 2019፣ ነቲ ዘይሕጋዊ ውዕል ከምዘእተዎ ንጸብጻብ እቲ ቤት ፍርዲ ብምውካስ፣ መርበብ ዜና እታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ሰመረ ገብረሚካኤል ዝተባህለ ወዲ 40 ዓመት ኤርትራዊ፣ ንባዕሉ ካብ 2007 ክሳብ 2015 ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኮይኑ፣ ኣብ 2015 ናብ ካናዳ ከምዝመጸ እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ሰመረ ናብ ካናዳ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ካልጋሪ ይቕመጥ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ 2018፣ ናብ ከተማ ናንያሞ ግዒዙ፣ ኣብ ሳልስቱ፣ ናብ ሓደ ትካል ዘሊሉ ብምእታው፣ ኣስታት 5 ሽሕ ዶላር ሰሪቑ ናብ ፍርዲ ከምዝቐረበ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ጉዳዩ ብገበን ከይምዝገብን ናብ ዓዱ ከይስጎግን ብጠበቓ ብዝተኻየደ ጻዕሪ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ቤት ፍርዲ ቅድመ ኩነታት ብምስራዕ ብናጻ ኣፋንይዎ።

እንተኾነ፣ ኣብ 2019 ንኻልእ ኣብ እስራኤል ዝነበር ኤርትራዊ፣ ናብ ካናዳ ብስፖንሰር ከምጽኣካ’የ ብዝብል 38, 520 ሽሕ ዶላር ከምዘታተሎ ‘ዩ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

እቲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝተጠቕሰ መስርሕ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ኣብ እስርራኤል ዝምቕማጡ ካልእ ኤርትራዊ ገንዘቡ ክምለሰሉ ሓቲቱ።

ሰመረ ግን ነቲ ገንዘብ ኣብ ግዜኡ ክመልሰሉ ስለዘይክኣለ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፣ ሕጋዊ መልክዕ ሒዙ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ፣ ኣብ 2005 ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝተሰደ ሰመረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካናዳ፣ ኤድመንተን ናይ ቁማር ልምዲ ኣለዎ።

ብምትላል ልዕሊ 38 ሽሕ ዶላር፣ ቅድሚኡ ድማ ብስርቂ 5 ሽሕ ዶላር ገበነኛ ምዃኑ፣ ኣብ ቫንኩቨር፣ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝወሰነሉ ሰመረ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ናይ ገበን መዝገብ፣ ስድርኡ ናብ ካናዳ ከምጽእ ዝጀመሮ መስርሕ ደው ከምዝበለ መርበብ ዜና እታ ከተማ ኣረጋጊጹ።

ሰመረ፣ ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ናይ ቆጸራ ግዜ፣ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ክመልሶ ዝተበየነሉ ገንዘብ ከምዝኸፈለ ዘረጋግጽ ሰነድ ሒዙ ክቐርብ እቲ ቤት ፍርዲ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣብ ናይ ጽሬት ትካል ከምዝሰርሕ ዝተገለጸ ሰመረ ብወገኑ፣ በቲ ዝተፈጸመ ገበን፣ ነቲ ቤት ፍርዲ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ድማ ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን፣ ኣብ እስርኤል፣ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብ ንዝነብሩ ካልኦት ኤርትራውያን፣ ብስፖንሰር፣ ቃል-ኪዳንን ካልእን ምኽንያታትን ከምጽእዎም ከምዝኽእሉ ብምእማን፣ ዘይሕጋዊ ውዕል ብምእታው፣ 10ታት ኣሽሓት ዶላር ከምዘታልልዎም ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0