ካብ ኤርትራ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ

ካብ ኤርትራ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 January 2019

ካብ ኤርትራ፣ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን ተሓከምቲ፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዘመሓለለፈቶ ጸብጻብ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ፣ ካብ ኣስመራ፣ ሆስፒታል ሓሊበት ሪፈር ንዝተባህለ ወዳ ሒዛ ዝመጸት ኤርትራዊት ዮርሳሌም በራኺ፣ ኣብ መቐለ፣ ሆስፒታል ዓይደር ኣገልግሎት ትረክብ ከምዘላ ከም ኣብነት ኣቕሪባ።

ካብ ንእሱ ዞባ ዓዲ ዃላ እናተመላለሰ፣ ጓሉ ዘሐክም ዘሎ ካልእ ኤርትራዊ ኣስመሮም ፍስሃየ’ውን፣ ኣብቲ ሆስፒታል ጽቡቕ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ይረክብ ከምዘሎ ንቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር፣ ንኤርትራውያን ናጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎታት ይህብ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ መጓዓዝያ ጸገማት ንዘለዎም’ውን ሓገዛት ከምዘበርክት’ዩ ዝጠቕስ።

ኣቐዲሙ፣ ካብ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ፣ 35 ሓደስትን 5ክኢላታትን ሰብ ሞያ ሕክምና፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ኤርትራ ወለንታዊ ኣገልግሎታት ይህቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ንሕክምና ናብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ክኸዱ ዝጸንሑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ካልኦትን፣ ናብ ኢትዮጵያ ንምስግጋሩ ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0