ካብ ኣመሪካን ፈረንሳን ዝተዋጽአ ጥሙር ሓይሊ ዕማማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዱ

Radio Erena: 24 November 2016

Fre US

ካብ ኣመሪካን ፈረንሳን ዝተዋጽአ ጥሙር ሓይሊ ዕማማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ ልምምድ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብፈረንሳ ተወዲቡ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብዘይካ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጅቡቲን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን’ውን ከምዝተሳተፋ፣ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብቲ ዞባ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምቁጽጻርን ካብ መጥቃዕቲ ሰባት ኣብ ምድሓን ንዝካየድ ስርሒታትን ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ሰራዊት ኣመሪካን ፈረንሳን ዓስኪሮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ካልኦት ሃገራት ዝሳተፍኦ ጥሙር ሓይሊ ዕማም ከምዘቖሙ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0