ካብ ኢራን ዝተላእከት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብታ ተቓወምቲ ሑቲ ዝቖጻጸርዋ ከተማ ሰንዓ ዓሊባ

ካብ ኢራን ዝተላእከት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብታ ተቓወምቲ ሑቲ ዝቖጻጸርዋ ከተማ ሰንዓ ዓሊባ

Radio Erena: 02 March 2015

IranYem

ተቓወምቲ የመን ንከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ትማሊ 1 መጋቢት ካብ ኢራን ዝተበገሰት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሊባ።

እታ ሰራሕተኛታት ትካላት ግብረ ሰናይ ዝርከብዎም ኢራናውያንን ዝተፈላለየ ረዲኤትን ጽዒና ካብ ቴህራን ብቀጥታዊ በራር ናብ ሰንዓ ዝዓለበት ነፋሪት፣ ተቓወምቲ ሑቲ ነታ ከተማ ድሕሪ ምቑጽጻሮም ኣብ ሰንዓ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጀመርያ ኣህጉራዊ በረራ’ዩ።

 

ንከተማ ሰንዓ ካልእ ስትራቴጂኣዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ክፋል እታ ሃገር ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲ፣ ኣቐዲሞም ምስ መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሰሙን 14 ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክካይድ ዝብል’ዩ።

በዚ መሰረት ድማ ካብ ኢራን ዝተላእከት ንብረት መንገዲ ኣየር ማንሃን ዝኾነት ኤርባስ 310 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋርቲ ፈላሚ በረርኣ ብምክያድ ናብ ሰንዓ ኣትያ።

እታ ኢራናውያንን ዝተፈላለየ ሓገዝን ዝጸዓነት ነፋሪት ሰንዓ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝዓለበትሉ ብርክት ዝበሉ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ሑቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩላ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢራን፣ እታ ነፋሪት 12 ቶን ዝምዘን መድሃኒት፣ ቴንዳታትን ካልእ ዝተፈላለየ ኣብ ናይ ህጽጽ እዋን ሓደጋ ዘለግልግል ኣቑሑ ጽዒና ከምመአጽት’ዩ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ብሕጂ’ውን ካልእ ተመሳሳሊ ሓገዛት ካብ ኢራን ከምጽእ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እዚ ኣብ መንጎ ኢራንን ንሰንዓ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሑቲ ስምምዓት፣ ነተን ብእምነት ሱና ናይ እስልምና ዝመሓደራ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ንስዑዲ ዓረብ ስግኣት ፈጢሩለን ይርከብ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር’ውን፣ ኢራን ኣብ ሃገሩ ክትገብሮ ንዝፈተነት ናይ እምነት ሺዓ ምስፍሕፋሕ ከምዝተቓወሞ ብኣብነት ብምጥቃስ በዚ ናይ ጉዳይ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ከምዝወገነ ዝተፋለለዩ ተንተንቲ ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

ብዘይካ’ውን ኢራን ኣብቲ እቶም ተቓወምቲ ንመላእ እታ ሃገር እንተተቖጻጺሮም፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ከባቢታት ወደብ ሖዴዳን ካልእ ኣገዳሲ ቦታታትን ወትሃደራዊ መዓስከር ከይተቕውም ስግኣት ኣለወን።

እዚ ናይ ተቓወምቲ ሑቲ ገስጋስ ኣብ የመን ኣብተን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ጅቡቲን እስራኤልን ጥራይ ዘይኮነ፣ ነተን ንቀይሕ ባሕሪ ኣፍን ከብድን ከም ዘራኽብ ጎሮሮ ዝርእየኦ ሃገራት ምዕራብን ኤስያን’ውን ኣተሓሳሳስቢ ኮይኑ ኣሎ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0