ካብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ባኒ፣ ኣብ ኤርትራን ንሓያሎ ዓመታት ንዝጸንሐ ዋሕዲ ብመጠኑ ፈቲሑ

ካብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ባኒ፣ ኣብ ኤርትራን ንሓያሎ ዓመታት ንዝጸንሐ ዋሕዲ ብመጠኑ ፈቲሑ

Radio Erena: 15 October 2018

Bani St Asmara

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋቱ፣ ኣብ ኤርትራ ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ ዋሕዲ ከም ባኒ ናይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታት ብመጠኑ ፈቲሕዎ ኣሎ።

ዶባት ካብ ዝኽፈት፣ ከም ባኒ ፓስታ፣ እንቋቁሖ፣ ሽኮር፣ በርበረ፣ ዘይትን ካልእ መግብታትን ብመንገዲ ትግራይ ናብ ከተማታት ኤርትራ ይጓረት ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ብፍላይ፣ መሰረታዊት ዕለታዊ መግቢ እናተባህለት እትግለጽ ባኒ፣ ኣብ ኤርትራ መጀመርያ ብኩፖን፣ ደሓር ድማ ጠቕሊላ ጠፊኣ ድሕሪ ምንባራ፣ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ከኣ ንሓንቲ ባኒ ካብ 3 ክሳብ 6 ናቕፋ ብደገ ደገ ክትሽየጥ ጸኒሓ’ያ።

ዶባት ካብ ዝተኸፍተሉ ዕለት፣ ካብ ትግራይ ብዝኣቱ ዘሎ ባኒ ግና ዋጋኣ ናብ 90 ሳንቲም ወይ ሓደ ናቕፋ ወሪዱ ኣሎ።

ዶባት ምኽፋቱ፣ ከም ጣፍ፣ ዕፉን፣ ስርናይን ማሸላን ዝኣመሰለ እኽልታት ዋግኡ ብዝተዓጻጸፈ ኣጉዲልዎ’ዩ።

እዚ ድማ፣ ነቲ ዕለታዊ መግብታቱ ንምርካብ፣ ኣብ ናይ ህግደፍ ትካል 09 ወይ ትካል ቀይሕ ባሕሪ፣ ዝውነን ዱኳናት ሕድሪ፣ ብኩፖን ወርሓዊ ኣብ ዝዕድል መቑነን ዝምርኮስ ዝነበረ ገለ ክፋል ህዝቢ ዓቢ ፍታሕ ኮይንዎ ይርከብ።

ኤርትራውያን ሰብ መካይን’ውን፣ ናብ መቐለን ዓድግራትን ኣብ ዝገሽሉ፣ ከም ፓስታን ዘይትን ብካርቶናት ጽዒኖም፣ ነዳዲ ድማ ኣብ ጀሪካናት መሊኦም ናብ ኤርትራ ይምለሱ ምህላዎም ይግለጽ።

ወነንቲ ካብ ኤርትራ ዝኸዳ ናይ ጽዕነት፣ ናይ ህዝቢ መጎዓዝያን ናይ ውልቂ መካይንን፣ ዋጋ ነዳዲ ካብ ኣብ ኤርትራ፣ ዝያዳ ኣብ ትግራይ ስለዝሓስረሎም፣ መካይኖም መሊኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ጽዒኖም’ውን ስለዝምለሱ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲ ግራት፣ ኣኽሱም፣ ውቕሮን ዓድዋን፣ ዋሕዲ ነዳዲ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጻብ ሪፖርተር ይጠቕስ።

ዶባት ምኽፋቱ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ ስእነት መሰረታዊ መግብታት ብመጠኑ ፈቲሕዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ በብዝተፈላለየ ብፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ምኽንያታት ኣብ ኤርትራ ምንባር ከቢድዎ ዝጸንሐ ህዝቢ፣ ብእኩብ ናብ ትግራይ እናሰገረ ጽግዕተኝነት ወይ ዑቕባ ይሓትት ከምዘሎ ጸብጻባት ካብቲ ክልል የመልክቱ።

Bani St Asmara 2

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝወድአ ፋብሪካ ሽኮር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ተመሪቑ።

‘የኦሞ ኩራዝ’ ፋብሪካ ሽኾር ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምስ ኤርትራ ሓቢርና ንምልማዕ ስለዝወሰና፣ ኣብ ምምራቕ እቲ ፋብሪካ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝዓደሞ ጠቒሱ።

እቲ ፋብሪካ፣ ብሓገዝ ቻይና ድሚ ሰለስተ ዓመታት ክህነጽ ዝጀመረ ኮይኑ፣ ብምሉእ ዓቕሙ ኣብ ዝጅምረሉ፣ መዓልታዊ ክሳብ 10 ሽሕ ኩንታል ሽኮር ከፍሪ ትጽቢት ይግበረሉ።

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኣስማሪኖ

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0