ካብ ቢሻ ዝፈረየ 11 ሽሕ ቶን ነሓስ ብመንገዲ ወደብ ምጽዋዕ ከምዝልኣኾ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ገሊጹ

ካብ ቢሻ ዝፈረየ 11 ሽሕ ቶን ነሓስ ብመንገዲ ወደብ ምጽዋዕ ከምዝልኣኾ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ገሊጹ

bishaኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ካብ ቢሻ ዘውጽኦ ናይ መጀመርያ ፍርያቱ ዝኾነ 11 ሽሕ ቶን ዘይተጻረየ ነሓስ ናብ ሰድድ ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ካናዳ ናይ ዕደና ኩባንያ፣ ነቲ ካብ ቢሻ ዘውጽኦ 11 ሽሕ ቶን ብመንገዲ ወደብ ባጽዕ ኣቢሉ ከምዝልኣኾ’ውን ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

 

መሻርኽቲ እቲ ኩባንያ ዝኾነ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ኤርትራን በዓል መዚ ኣገልግሎታት ወደብ ኤርትራን ኣብ ምልኣኽ እቲ 11 ሽሕ ቶን ነሓስ ንዝገበርሉ ምትሕብባር’ውን ኣመስጊኑ።

ኔቭሰን ኣብ ቢሻ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ዝበዝሐ ፍርያቱ ወርቂ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከም ነሓስን ዚንጎን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓይነታት ማዕድን’ውን ልዑል ቆላሕታ ጌሩ ይሰርሓሉ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ እቶት ብርክታት እቲ ኩባንያ ብመጠኑ ኣንቆልቝሉ ከምዝነበረ ዝሓበረ ኔቭሰን፣ እዚ ድማ እቲ ኩባንያ ንጥፈታቱ ካብ ወርቂ ጥራይ ናብ ዕደና ነሓስ’ውን ስለዘተኮረ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብርክታት እቲ ኩባንያ ብ 3.4 ሚእታዊት ዓብዩ ምህላዉ ካብ ቶሮንቶ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣነጺሩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕድናት ኣብ ዓደና ተዋፊረን ዝርከባ ልዕሊ 16 ኩባንያታት፣ ንንጥፈታተን ዝምልከት ጸብጻባት ከቕርባ እንከለዋ፣ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ግና ግሉጽ ኣሰራርሓ የብሉን።

እዚ ድማ ንብልሽውና ርሒብ ኣፍደገ ዝኸፍት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም’ውን ዕድል ዝፈጥር’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዝርከብ ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ናይቲ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዘካይዶ ዘሎ ዕደናዊ ንጥፈታት፣ መካይዲ ስራሕ ዝኣከቦ ምወላ ናብ 5 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ወፍሪ ዘካይድ ዘሎ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ሳንሪጅ፣ ኣብ ፕሮጀክት ኣስመራ ኣብ ዕደና ወርቂ፣ ዚንጎን ነሓስን ዝተዋፈር ኮይኑ፣ ኣቐዲሙ ንመካየዲ ስራሕ ዝኣከቦ 4 ሚልዮን ዶላር ምወላ ካብ 11 ጥቕምቲ ኣትሒዙ ናብ 5 ሚልዮን ዶላር ክብ ምባሉ ገሊጽ።

ፕረጆከት ዕደና ኣስመራ ኣብ 111 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝተደኮነ ኮይኑ፣ ንከባቢታት ዓዲ ንፋስ፣ ድባርዋ፣ ጎፖን እምባደርሆን ዘጠቓለለ’ዩ።

ንፕሮጀክት ኣስመራ ምሉእ ብምሉእ ወኒኑ ዘሎ እቲ ኣህጉራዊ ናይ ዕደና ኩባንያ ሳንሪጅ፣ ኣብ ማዳጋስካር’ውን ሰፊሕ ናይ ዕደና ፕሮጀክት ከምዘለዎ’ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕድናት ኣብ ዓደና ተዋፊረን ዝርከባ ልዕሊ 16 ኩባንያታት፣ ንንጥፈታተን ዝምልከት ጸብጻባት ከቕርባ እንከለዋ፣ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ግና ንኹሉ ብምስጢር’ዩ ሒዝዎ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣብ ጉዳይ ዕደና፣ ንብልሽውና ርሒብ ኣፍደገ ዝኸፍትን ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዕድል ዝፈጥርን ዘይግሉጽ ኣተሓሕዛ ከምዘለዎ ይንቐፍ።

====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0