ካብ ስቶኮልም ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ መምለሲ ስኢኖም

ካብ ስቶኮልም ናብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ መምለሲ ስኢኖም

Radio Erena: 11 August, 2014

fly oly

መንዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ካብን ናብን ኣስመራን ስቶኮምን ዝጀመሮ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ብሃንድበት ብምቁራጹ፣ በቲ መንገዲ ኣየር ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ኤርትራውያን፣ መምለሲ ስኢኖም ኣብ ኣስመራ ገልታዕታዕ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ መንገዲ ኣየር ብሰንኪ ክሳራ፣ ብሃንድበት ደው ብምባሉ፣ ካብ ኤርትራ ድማ ቀጥታዊ በረራ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይምህላዉ፣ ፍልይቲ ናይ ቻርተር ነፋሪት ክእዘዘሎም ምዃኑ ተነጊርዎም እኳ እንተነበረ፣ ጸኒሑ ግና፣ ኣቐዶሞም ዝኸፈልዎ ንነፍሲ ወከፎም ሓሓደ ሽሕ ዶላር ካሽ ብምሃብ፣ በብዝጥዕሞም ናብ ስቶኮልም ክምለሱ’ዩ ተነጊርዎም።

 

ሓያሎ ካብኣቶም ድማ ናብ ዱባይ እናተጓዕዝ ከም ሓድሽ ብመንገዲ ኣኤር ኢትዮጵያን ካልኦት ናብ ስቶኮልም ክምለሱ ይግድድደዱ ኣለዉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣትዉሉ ግዜ፣ ተመሳሳሊ ናይ መጓዕዝያ ጸገም ከምዘጋጥም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዛ ኣብ ሰለስተ ወርሓ ደው ዝበለት መንገዲ ኣየር ኣብ ዝጀመረትሉ፣ እቲ ጸገም ከምዝተፈትሐ ዝገልጽ ጓስጓስ ብኤሪ ቲቪ ከምዝተገብረላ ዝዝከር’ዩ።
===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0