ካብ ስልጣኑ ክእለ ህዝባዊ ጻውዒት ዝቐርበሉ ዘሎ ፕረዚደንት በሽር ናብ ቀጠር በጺሑ

ካብ ስልጣኑ ክእለ ህዝባዊ ጻውዒት ዝቐርበሉ ዘሎ ፕረዚደንት በሽር ናብ ቀጠር በጺሑ

Radio Erena: 24 January 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ቀጠር ዘምርሐ፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕብታት እታ ሃገር ልዕሊ ሓደ ወርሑ ኣብ ዘቑጸረሉ እዋን’ዩ።

ንሱ ብሰሉስ 22 ጥሪ ናብ ኣዶሓ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ኣሚራ እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት በሽር ብዝርዝር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ እታ ሃገር ገጢሚዋ ንዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ብድሆታት ሓገዝ ንምሕታት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይትንትኑ።

ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ኣብ ዝተወልዐሉ፣ ቀጠር ንፕረዚደንት ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ምግላጻ ይዝከር።

ምስ ቀጠር ዘለዎ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ሕቡራት ኢማራትን ጸቕጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት በሺር፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዝተኸስተ ምክፍፋል ብስምምዕ ክፍታሕ ብምጥላብ፣ ምስታ ጥሙቕ ምትእስሳር ዘለዎ ቀጠር ከምዘይባተኽ’ዩ ኣረጋጊጹ።

ቀጠር፣ ኣብ ሱዳን ወደብ ሱዋኪን ንዝካየድ ዘሎ ናይ ልምዓት መደብትን ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከርን ትምውል ከምዘላ ይፍለጥ።

ሱዳን ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዘለዋ ዝምድና፣ ንግብጺ ስግኣት ከምዝፈጥረላ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፣ ፕረዚደንት ኣልሲሲ’ውን ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኣልበሽር ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0