ካብ ሖሎት ዝተፈትሑ ኣስታት 1200 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ከተማታት ቴልኣቪቭን ኤላትን ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ተኣዊጁ

ካብ ሖሎት ዝተፈትሑ ኣስታት 1200 ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ከተማታት ቴልኣቪቭን ኤላትን ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ተኣዊጁ

Radio Erena: 25 August 2015

Holot Released

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ ካብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖልት ዝፍትሑ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ናብ ከተማታት ቴልኣቪቭን ኤላትን ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ኣዋጅ ነዲፍ።

እቲ ብሚኒስተር ሲልቫን ሻሎም ዝተነድፈ ሓድሽ ኣዋጅ፣ ብቤት ፍርዲ እታ ሃገር’ውን ተቀባልነት ከምዝረኸበ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ሖሎት ተቀይዶም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ክፍትሑ ምእዋጁ ይዝከር።

ድሕሪ’ዚ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣዋጅ፣ ኣስታት 1200 ሓተቲ ዑቕባ መብዛሕቶም ሎሚ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣለዉ።

 

ይኹን’ምበር ብመሰረት እዚ ሓድሽ ተነዲፉ ዘሎ ሕጊ፣ ናብ ከተማታት ተልኣቪቭን ኤላትን እንተኣትዮም፣ ናብቲ ዝጸንከረ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ክዳጎኑ’ዮም።

እቶም ካብ ሖሎት ዝፍትሑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ከተማታት ቴልኣቪቭን ኤላትን ከይኣትዉ ዝተኸልከልሉ ምኽንያት፣ ናይ ስራሕ ዕድላት ንኸይረኽቡ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነንዕለቱ ዘተኣታትዎ ዘሎ ሓድሽን ሕግታት ኣዋጃትን፣ ሓተቲ ዑቕባ ብመነባብሮን ተማሪሮም ካብታ ሃገር ንኽወጹ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።

ብሰንኪ’ዚ እስራኤል እትኽተክሎ ዘላ ፖሊስ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነበሩ ኣስታት 38 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ልዕሊ 3 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራን ኣስታት 4 ሽሕ ዜጋታት ሱዳንን ካብታ ሃገር ክወጹ ተገዲዶም’ዮም።

እስራኤል እትኽተሎ ዘላ ፖሊስ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ኣተባባዒ ውጽኢት ረኺባትሉ ምህላዋ’ያ ትግምግም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣስታት 8 ሽሕ ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምውጽእ ከተገድድ እንከላ፣ ብመንገዲ ሲናይ ናብታ ሃገር ናይ ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት ከኣ ናብ ዜሮ’ዩ ወሪዱ ዘሎ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0