ካብ ሕ/ኢ ዓረብ ናብ ሶማል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝፈተነ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ተታሒዙ

ካብ ሕ/ኢ ዓረብ ናብ ሶማል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝፈተነ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ተታሒዙ

Radio Erena: 11 April 2018

Mogadsho airport

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ሶማል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝፈተነ 9.6 ሚልዮን ዶላር፣ ብ8 ሚያዝያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ከምዝተታሕዘ ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ብሮያል ዝተባህለት ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር፣ ኣብ ሳናጡ ተዓሺጉ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሶማል ክኣቱ ዝተፈተነ ገንዘብ ካብ መን ዝተላእከ ምዃኑ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ነቲ ገንዘብ ከሕልፎ ምስ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓያሎ ሰዓታት ከምዝተኸራኸረ እቲ በቲ ሚኒስትሪ ዝቐረበ ጸብጻብ እኳ እንተጠቐሰ፣ እቲ ኤምባሲ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ብዛዕባ ምህላዉ ግና ኣየመልከትን።

መንግስቲ ሶማል ምስ ቀጠር ዝነበሮ ዝምድና ከምዘይበትኽ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስቲ መንግስቲ ዝነበራ ዝምድና ብተዛማዲ ከተዛሕትል ምጽናሓ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝውነን DP world ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ብምዃን ንኣገልግሎታት ወደብ በርበራ ከመሓድርዎ ምስምምዖም፣ ንሉኣላውነት ሶማል ዝግህስ’ዩ ክብል መንግስቲ ሶማል ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሓይሊ ገንዘብ እናተጠቕመት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትገብሮ ዘሎ ወትሃደራውን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ፣ ንሃገራት እቲ ተኣፋፊ ዞባ ኣብ ተወሳኺ ምትፍናን ትሸምም ከምዘላ ተንተንቲ የረድኡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0