ካብን ናብን ኣስመራ-መቐለ ዝመላለሱ ነጋዶ፣ ባጤራ ናቕፋ ብብዝሒ ይደልዩ

ካብን ናብን ኣስመራ-መቐለ ዝመላለሱ ነጋዶ፣ ባጤራ ናቕፋ ብብዝሒ ይደልዩ

Radio Erena: 09 October 2018 

Birr Nakfa

ካብ መቐለን ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ነጋዶ፣ ባጤራ ናቕፋ ብብዝሒ ይደልዩ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና   ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ኣብ መቐለን ዓዲግራትን ን1000 ናቕፋ፡ ብ1600 ብር ክግዛእ ከምዝቐነየ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ናብ ትግራይ ንዝኣተዋ ናይ ኤርትራ መካይንን ተጓዓዝትን እናተኸታተሉ ሸርፊ ከምዝሓቱ ጠቒሶም።

ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነጋዶን በጻሕቲ ሃገርን፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ የሸግሮም   ከምዘሎ’ዮም ዘመልክቱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ 5 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ምሓዝ፣ ዘይሕጋዊ ምዃኑ’ዩ መንግስቲ ዘጠንቕቕ።

በንጻሩ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ጎደናታታት መኪናታቶም ደው ብምባል ከም በርበረ፣ ጣፍ፣ ዚንጎ፣ ሰሜንቶን ዝሸጡ ኢትዮጵያን ነጋዶ፣ ክንዲ ዝኣከብዎ ብዝሒ ናቕፋ ኣዋህሊሎም ክምለሱ ይኽእሉ።

ሓያሎ ካብቶም ኢትዮጵያውን፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝኣከብዎ ናቕፋ፣ ከም ተለቪዥን፣ መሕጸቢን መዝሓሊን ማሽናት ዝርከቦም ኤለክትሮኒካዊ ኣቑሑ ይሽምትዎ ኣለዉ።

ብወገን ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ንዝሰግሩ ኤርትራውያን ይኹኑ ናብ ኤርትራ ንዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን ንምምዝጋብ፣ ኣብ ዶባት ነቁጣታት ቆይሙ እኳ እንተሎ፣ ብዝሒ ሒዝካዮ ናይ እትንቀሳቐስ ባጤራ ይኹን ካልእ ንብረት ዝቖጻጸር ኣካል ግና የለን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0