ካብን ናብን ሶማል፣ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ደው ዘበለት ኬንያ፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ፍሉይ በረራታት ተካይድ ኣላ

Radio Erena: 20 May 2021

ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ደው ክብል ዝወሰነ መንግስቲ ኬንያ፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ግና ፍሉይ በረራታት የካይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፣ ናይ ምርጫ ካርድታት ዝጸዓና ክልተ ነፈርቲ፣ ካብ ናይሮቢ ተበግሲን፣ ኣብ ጂቡቲ ድሕሪ ምዕራፍ ናብ ከተማ ሃርጌሳ ከምዝኣተዋ ዘ ስታር ዝተብሃለት ጋዜጣ ኬንያ ኣረጋጊጻ።

ዛጊት ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይረኸበት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ካብ ሶማል ዝተፈልየትሉ መበል 30 ዓመት ኣብ እትጽንብለሉ ዘለ እዋን፣ ጎኒ ጎኑ’ውን ምርጫ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ኬንያ፣ ብጂቡቲ ኣቢላ ናብዛ ርእሰ ምምሕዳር እተካይዶ ዘላ በረራታት፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተወሳኺ ጥርጣረታት ፈጢርሉ ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ጂቡቲን ኬንያን፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኢድ ብምእታው፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳራት ብምዃን ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ውዲት ይኣልማ ኣለዋ ክብል’ዩ ዝወቅስ።

ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ፣ ብመንጎኝነት ቀጠር ከምዝተፈትሐ እኳ እንተተሓበረ፣ መንግስቲ ኬንያ ሳልስቲ ከይጸንሐ፣ ካብን ናብን ሶማል ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ኣቢልዎ ይርከብ።

እዚ ኬንያ ወሲዳቶ ዘላ እገዳ፣ ክሳብ ወርሒ ነሓሰ ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ኬንያ፣ ናብታ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ሉኣላዊት ኣካሉ ምዃና ዝገልጻ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ በረራታት ተካይድ ምህላዋ ተቓሊዑ ኣሎ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0