ካብን ናብን መቐለ- ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ገያሾ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተዓግቱ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ገሊጸን

Radio Erena: 08 January 2023

ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ገያሾ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ከምዝተዓግቱ፣ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢረን።

ገለ ካብቶም ገያሾ፣ ቆልዑ፣ ደቂንስትዮን ኣረጋውያንን ዝርከቦም፣ ድሕሪ ዳግማይ ምጅማር ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝኣተዉ ምዃኖም’የን እተን ማዕከናት ዜና ወቒሰን።

ብዘይካ’ዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዝተበገሱ ገያሾ’ውን ተዓጊቶም ከምዘለዉ’ዩ ተመልኪቱ።

እቶም ገያሹ፣ ትኬት ቆሪጾም ከብቅዑ፣ ካብ 06 ጥሪ ኣትሒዙ፣ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተዓግትሉ ምኽንያት ኣይተገልጸን።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ እዚ ብማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ዝቐረበ ወቐሳ ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ – መቐለ ዝካያድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ብ28 ታሕሳስ ዳግም ካብ ዝጅምር፣ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ መዓልታት’ዩ ከምዚ ዓይነት መሰናኽል ከጋጠሞ ዝግለጽ ዘሎ።

ድሕሪ ‘ቲ ኣብ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ከም መዓርፎ ነፈርቲን ቴሌኮሚኒኼሽንን ዝኣመሰለ ትካላት፣ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ‘ዩ ኣትዩ።

ስእሊ፣- ካብ ድምጺ ወያነ

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0