ካምፓላ፣  ኣብ ሓደ ወርሒ 340 ኤርትራውያን ዑቕባ ሓቲቶም

ካምፓላ፣ ኣብ ሓደ ወርሒ 340 ኤርትራውያን ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 06 November

uganda_unhcrኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፣ 340 ኤርትራውያን፣ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት፣ ሕቶ ዑቕባ ከምዘቕረቡ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ካብታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብታ ወርሒ እቲኣ ጥራይ 1264 ስደኛታት ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኡጋንዳ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፣ ካብዚኦም እቶም 745 ዜጋታት ሶማል ክኾኑ እንከለዉ እቶም 100 ከኣ ሩዋንዳውያን’ዮም።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ከተማ ካምፓላ ዑቕባ ዝሓተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ኡጋንዳ ዝኣተዉ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ናይ መውጽኢ ቪዛ ዕድል ዝረኸቡ ኤርትራውያን’ውን ኡጋንዳ ድሕሪ ምእታዉ ዑቕባ ይሓቱ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኡጋንዳ፣ ንዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ’ያ ትፈቅድ። ብሰንኩ ድማ፣ ሓንቲ ካብተን ዜጋታት ኤርትራ ብብዝሒ ዝስደዱለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ።

ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሙ ዶባት ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ብዝሒ ኤርትራውያን ይዛይድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0