ካምፓላ፣ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ዝቐተለ ምፍንጃር ኣጋጢሙ

Radio Erena: 24 October 2021

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ፣ ብቀዳም 23 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ምፍንጃር፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ገሊጹ።

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር፣ ኣሳን ካሲንግየ፣ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ጠቒሱ።

ሸውዓተ ሰባት በቲ መቓዕቲ ከምዝቖሰሉ ድማ መደበር ቴሌቪዥን ኡጋንዳ ሓቢራ።

ፕረዚደንት ሙሰቬኒ፣ ብትዊተር ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ሰለስተ ሰባት ኣብ ናይ ጎሓፍ ጎማ ዝተሸፈነ ነገር ኣቐሚጦሞ ምስ ከዱ’ዩ እቲ ነታጕ ኣጋጢሙ።

ናይቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ‘ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክኽውን ይክእል’ዩ’ ዝበሎ ምፍንጃር፣ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0