ካልኣይ ዙርያ ስልጠና ወትሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ ኤርትራ ይወሃብ ኣሎ

ካልኣይ ዙርያ ስልጠና ወትሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ ኤርትራ ይወሃብ ኣሎ

Radio Erena: 04 January 2015

Yem

ኣስታት 400 ወትሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።

እዞም ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዝልጥኑ ዘለዉ ካልኣይ ዙርያ ተዓለምቲ ወትሃደራት መንግስቲ የመን፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2015 ናብ ታዕሊም ዝኣተዉ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ከኣ ናብ ዓደን ክምለሱ ትጽቢት ምህላዉ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ ወርሒ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱ 420 ወትሃደራት መንግስቲ የመን ኣብ 20 ሕዳር ናብ ከተማ ዓደን ከምዝተዋፈሩ ሬድዮ ኤረና ምርግጋጻ ኣይርሳዕን።

 

ኣብ የመን እትሕተም ጋዜጣ ዓደን ኣልቓድ’ውን ኣብ ናይ 22 ሕዳር ሕታማ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ዝተመልሱ ወትሃደራት፣ ኣብ ሓለዋን ጸጥታን ኣገደስቲ ጽፍሕታት ክዋፈሩ ምዃኖም ጠቒሳ’ያ።

ኤርትራ፣ ምስቲ ብስዒዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ክትተሓባበር ድሕሪ ምጽናሓ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣባል እቲ በታ ሃገር ዝቖመ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ስዑዲ ዓረብ ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ሰራዊተን ናብ የመን ከዋፍራ ብተደጋጋሚ ትሓትት እኳ እንተላ፣ ኤርትራ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ምስልጣን ወትሃደራ’ቲ ብስዒኡዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመን’ያ ተበርክት ዘላ።

ብዘይካ’ዚ ከኣ እቲ ናብ የመን ቅርበት ዘለዎ ገማግም ባሕራ፣ ሓይሊ ባሕሪ እቲ ወትሃደራዊ ኪዳን ክጥቐመሉ ምፍቓዳ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ።

=========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0