ኩዌት ናብ የመን ሰራዊት ክትልእኽ’ያ

ኩዌት ናብ የመን ሰራዊት ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 30 December 2015

Ku Ar

ኣባል’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ዝኾነት ኩዌት ናብ የመን ሰራዊት ክትልእኽ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኩዌት ብዝሒ ናይቲ ናብ የመን እተዋፍሮ ሰራዊት ኣይተሓበረን።

መጥቃዕቲ የመን ካብ ዝጅምር ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ከምዘላ ዘረጋገጸት ኩዌት፣ ኣብ የመን ዝዋፈር ኣጋር ሰራዊት ካብ ምልኣኽ ግና ተቖጢባ’ያ ጸኒሓ።

 

ኩለን ሃገራት ወሽመጥ ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርከሐ ኪዳን ክጽንበራ እንከለዋ፣ ኣብቲ ኪዳን ዘይኣተወት እንኮ ዓረባዊት ሃገር እቲ ዞባ ዖማን ጥራይ’ያ።

ዖማን ኣብቲ ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዝቐንዐ ኪዳን ዘይተጸንበረትሉ ምኽንያት ኣየነጸረትን።

ኤርትራ እትርከበን 35 ሃገራት፣ ኣባላት’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ኣህጉራዊ ሽበራ ክኾና እንከለዋ፣ ኣብዚ ኪዳን’ዚ ዘይተጸንበራ፣ እዚ ምትእኽካብ ብቀረባ ካብ ዘገድሰን ሃገራት ኣልጀርያን ዖማንን’የን።

ስዑዲ ዓረብ እዚ እስላማዊ ኪዳን ድሕሪ ምቛሙ፣ ካብዘን ሃገራት ዝዋጻእ ኣጋር ሰራዊት ኣብ የመን ንምውፋር ውጥን ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

እታ ሃገር ኣብ የመን ናይ ኣስታት 9 ኣዋርሕ ደብዳብ እኳ እንተካየደት፣ ነቲ ናብታ ሃገር ተመሊሱ ዝርከብ መንግስቲ የመን ዝድግፍ እኹል ኣጋር ሰራዊት ግና ከተዋጽእ ኣይከኣለትን።

ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ብምስላፍ ናብ የመን ሰራዊተን ካብ ዝልኣኻ ሃገራት፣ ሕቡራት ኣኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬን፣ ሱዳንን ግብጽን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ ከኣ ገማግም ባሕራ ኣብ ርእሲ ምፍቓድ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ምስልጣን’ውን ተዋፊራ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0