ኩዌት፣ ካብ ጅቡቲ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ ጽርግያ ንምህናጽ 78 ሚልዮን ዶላር መዊላ

Radio Erena: 16 November 2016

Tadjura

ኩዌት፣ ንጅቡቲ ናይ 78.2 ሚልዮን ልምዓታዊ ምወላ ሂባ።

እታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ እቲ ንጅቡቲ ተሰሊዑ ዘሎ ገዚፍ ምወላ፣ ኣብ ምህናጽ ናይቲ ካብ ወደብ ታጁራ ክሳብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝዝርጋሕ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ክውዕል’ዩ።

እቲ ብምወላ ኩዌት ኣብ ጅቡቲ ክህንጽ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ 112 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ኮይኑ ትሽዓተ ሜተሮ ጎኒ ክህልዎ’ዩ።

እዚ ካብ ወደብ ታጁራ ተበጊሱ ክሳብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝህንጸ ጽርግያ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ክሕግዝ ከምዝኽእል ማዕከን ዜና ኩዌት የመልክት።

ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ካብ ናይ ወደብ ኣገልግሎት፣ ናይ ወትሃደራዊ መዓስከራት ክራይ፣ ከምኡ ድማ ምወላን ሓገዝን ለገስቲ ሃገራት ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ትረክብ እኳ እንተላ፣ እታ ሃገር ካብ ድሕረትን ድኽነትን ክትገላገል ኣይከኣለትን።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0