ኩነታት ተመሃሮ መበል 29 ዙርያ ሻቕሎት ፈጢሩ

ኩነታት ተመሃሮ መበል 29 ዙርያ ሻቕሎት ፈጢሩ

sawaተመሃሮ መበል 29 ዙርያ ዋርሳይ ይከኣሎ ስድራቤቶም ክርእዩ ስለዘይተፈቕደሎም፣ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ናብ ኮሌጃት ዘእቱ ነጥቢ ዘይረኸቡ ብቐጥታ ናብ ተወርዋሪ እዚ’ዮም ክምደቡ። ስድራቤቶም ከይረኣዩ ምምዳቦም ዘይተቐበልዎ ሓያሎ ተመሃሮ፣ መሞሊቖም ፋሕ ይብሉ ከምዘለዉ ይግለጽ።

 

እቶም ናብ ኮለጃት ናይ መእተዊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተመሃሮ መበል 29 ዙርያ’ውን ገና ናብ ቤተሰቦም ኣይተፋነዉን። ኣብ ወርሒ መስከረም ዓመታዊ ትምህርቲ ኣብ ዝጅምረሉ ብቐጥታ ትምህርቶም ክጅምሩ’ዮም ዝብል ወረ ኣብ ህዝቢ ብሰፊሑ ይስማዕ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ሓንሳብ ምስ ኣተኻዮ መውጽኢ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ብሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘበናዊ ባርነት እዩ ዝረአ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0