ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ኣምሊጡ

ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ኣምሊጡ

Radio Erena: 29 July, 2014

Moga

ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾ ሓሰን ሙሓመድ ሑሰን ሙንጋብ ካብ ዝተጻወደሉ ናይ ነታጕ መጥቃዕቲ ንስክላ ኣምሊጡ።

ነቲ ከንቲባ ጽዒና ዝነበረት መኪና በቲ መጥቃዕቲ ዕንወት ክወርዳ እንከሎ፣ እቲ ከንቲባ ግና ብዘይዝኾነ ጉድኣት ከምዝወጸ ኣፈኛ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ነቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ዝኾነ ሶማላዊ ዓጂቡ ኣብ ልዕሊ ዝከይድ ዝነበረ ቃፍላይ ጉድኣት ከምዝወረደ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣመልኪቶም።

 

ፖሊስ ሶማል በቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሓላፍ መንገዲ እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ኣብ ህወይት ዘብጽሖ ጉድኣት ከምዘየለ’ዩ ጠቂሱ።

ሓሰን መሓመድ ሓሰን ሙንጋብ ከንቲባ ከተማ ሞቛድሾን ኣመሓዳሪ ዞባ በናዲርን ኮይኑ ካብ ዝርቛሕ መንፈቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ’ዩ ፈተነ ቕትለት ዝካየደሉ ዘሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባል ፓርላማን ህብብቲ ሙዚቐኛ ሶማል ሰዓዶ ዓሊ ዋርሰማ ዝቐንጸለ ኣልሸባብ፣ ንሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዒላ ዝገበረ መጥቃዕቲን ቅንጸላን ብዝልዓለ ክደፍኣሉ ምዃኑ ከጠንቕቕ ጸኒሑ’ዩ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0