ከተማ ጁባ፣ ንመጀመሪያ እዋና ሓይሊ ኤለክትሪክ ረኺባ

Radio Erena: 24 November 2019

ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ፣ ንመጀመሪያ እዋና ሓይሊ ኤለክትሪክ ረኺባ።
ኣብቲ ብዕለት 22 ሕዳር ዝተኻየደ ናይ ጽምብል ስነስርዓት፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኲናት ብምብቅዑ፣ ናይ ዳግመ ህንጻ እዋን እዩ ድሕሪ ምባል እዚ ሓድሽ መርበብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከተማ ጁባ መጀመሪ ኮይኑ፣ እታ ሃገር 100 ሜጋዋት ጸዓት ዘመንጩ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምቛም ኣብ መስርሕ ከምዘላ ገሊጹ።
ኣብዚ ሓድሽ ፕሮጀክት፣ ‘እዝራ ግሩፕ’ ዝተባህለ ኤርትራዊ ትካል ናይ 289 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ኣካዪዱ ከምዘሎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናጽነታ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ምንጪ ጸዓት ከተቕውም እኳ እንተፈተነት ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ከይተዓወተት እያ ጸኒሓ። በዚ ምኽንያት ኣብ ከተማ ጁባ ዝርከባ መንግስታዊ ይኹና ናይ ውልቂ ትካላት ነናይ ገዛእ ርእሰን ጀነሬተር እየን ክጥቀማ ጸኒሐን።
በዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓድሽ ምንጪ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ነቲ ካብ ብዝሒ ጀነሬተራት ክስዕብ ዝጸንሐ ብከላ ኣየር ከወግድ ትጽቢት ከምዝግበረሉ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኣብዚ ጸዓት ኤለክትሪክ ወፍሪ ዘካዪድ ዘሎ ትካል እዝራ፣ ብክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ብ1986 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ይርከብ።
ኣካያዲ እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ ስርሑ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ክሳብ 70 ሽሕ ዝበጽሓ ስድራቤታት ከተማ ጁባ ኣገልግሎት ክረኽባ ምዃነን ገሊጹ።
ፕሮጀክት ሓይሊ ኤለክትሪክ ደቡብ ሱዳን ንምትግባር፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ 38 ሚልዮን ዶላር ከወፊ እንከሎ ኤርትራዊ ትካል እዝራ ከኣ 289 ሚልዮን ዶላር ኣውፊሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Weldetensea Begos 4 years ago

    Kikki, Ezra group welahanti yeblun nya Higdef genzeb iyu.