ከሰላ፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝጸንሑ 84 ኤርትራውያን ተታሒዞም

ከሰላ፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝጸንሑ 84 ኤርትራውያን ተታሒዞም

Radio Erena: 21 November 2018

Kassala

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዘንሑ 84 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ፖሊስ ከምዝተሰጋገሩ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ሱና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነቶም ኤርትራውያን ንምሓዝ ኣብ መንጎ እቶም ብረት ዝዓጠቑ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሓይልታት ጸጥታን ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ተኻይዱ’ዩ።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ዞባ ከሰላ ዓላም ኣል ዲን ሓሽም ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም 51 ደቂንስትዮ ዝርከብዎም ኤርትራውያን፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት’ዮም ተታሒዞም ጸኒሖም።

ካብ 10 መዓልታት ክሳብ 2 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ስድራቤታቶም ገንዘብ ክሕውልሎም ከገድድዎም ምጽንሖም’ዩ እቲ ሓላፊ የመልክት።

 ነቶም ኤርትራውያን ንምሕዛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ፣ ኣብ ህይወት ይኹን ኣካል ሰብ ዝወረደ ጉድኣት እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝተዋፈሩ 10 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

==========

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0