ኦነግ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ሒዝዎም ዝጸንሐ፣ ሰለስተ ቻይናውያን ናብ ቀይሕ መስቀል ኣረኪቡዎም

Radio Erena: 31 May 2021

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ካብ 15 ግንቦት ኣትሒዙ፣ ሒዝዎም ዝጸንሐ፣ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ዕደና ዝኾኑ ሰለስተ ቻይናውያን ናጻ ከምዝለቐቖም ኣፍሊጡ።

ነቶም ቻይናውያን፣ መንዲ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕደና ተዋፊሮም ከምዝጸንሑ ብምጥቃስ’ዩ ንክልተ ቅነ ሒዝዎም ጸኒሑ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ምርካቡ፣ ካልኦት ኣብቲ ዞባ ኣብ ዕደና ዝርከቡ ኩባንያታት ንጥፈታቶም ደው ከብሉ ኣጠንቂቑ።

እቲ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ብመንግስቲ ይኹን ኩባንያታት ዝካየድ ዕደና ዘይሕጋዊ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ቻይና ብዛዕባ ምትሓዝይ ይኩን ምፍታሕ ናይዞም ሰለስተ ዜጋታቱ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0