ኦርቶዶክሳዊ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፣ መበል ሻድሻይ ፓትርያክ መሪጹ

መበል ሓምሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብሞት ካብዛ ዓለም ድሕሪ ምፍላዮም፣ እታ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ፓትርያር ንምምራጽ ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ መስርሕ’ያ ጸኒሓ።

    ትማሊ ብዝተዋህበ መግለጺ ድማ፣ 71 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቡነ ማትያስ መበል ሻድሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ርስትያን ኢትዮጵያ ኮይኖም ብዓብላሊ ድምጺ ተሸይሞም ኣለዉ።

    ሻድሽያ ፓትርያር ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝተመርጹ ኣቡነ ማትያስ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ሲኖዶስን ኢትዮጵና ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝርከብሉ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብወግዒ መንበረ ጵጵስና ክርከቡ’ዮም።

    ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቅሉዕ ምትእትታዊ ይቕጽሎ ምህላዉ ተገሊጹ።

    ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራ ንምግልጋል ኣብ ስደት ዝቖማ ኣብያተ ክርስትያናት ንዝልኣኹ ኣቡናት እታ ቤተክርስትያን ዘይኮነት፣ ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምዃና ይሕበር።

    ብሰንኪ እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ኣብ ኢጣልያ፣ እስራኤል፣ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝርከባ ኣብያተክርስትያን ኦርቶዶክስ፣ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኣብ ክልተ ተገማሚዐን ይርከባ።

    ኣብታ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝውሕዙላ ዘለዉ ኡጋንዳን ኬንያ’ውን እዚ ተርእዮ’ዚ ይቐላቐል ምህላዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ።

    መንግስቲ ኤርትራ ንሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምእታዉ፣ ላዐለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ ኣብ ሚያዝያ 2007 ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ከምዝመዘዞም ኣይርሳዕን።

    እንተኾነ፣ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብሲኖዶስ ኮፕቲክ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ኣለክሳንድራን ተቐባልነት ኣይረኸቡን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0