እገዳ ሱዳን ክለዓል ተስፋ’ሎ፣ ሚ.ጉ.ወ. ጋንዶር

እገዳ ሱዳን ክለዓል ተስፋ’ሎ፣ ሚ.ጉ.ወ. ጋንዶር

Radio Erena: 31 August 2017

 usaid_sudanኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንኣስታት 20ታት ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳ ከተልዕሎ ተስፋ ከምዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ሓላፊ ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ ንኣህጉራዊ ምዕባለ (USAID) ማርክ ግሪን ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምርኻቡ’ዩ።

ማርክ ግሪን ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ኢብራሂም ጋንዶር ዘካየዶ ርክብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝነበረ ኩነታት ሱዳንን ዝምድና ክልትኤን ሃገራትን ድሕሪ ምግምጋም ንቀጻሊ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዛት ብዝምልከት’ዩ ዘትዩ።

እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ከተልዕሎ ምዃና ዝኾነ ኣንፈት ኣይሃበን።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ክልዓል ድዩ ወይስ ከምዘለዎ ክቕጽል ኣብ 12 ጥቕምቲ ውሳኔ ክህብ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ግና እቲ ካብ 1997 ኣትሒዙ፣ ኣብ ንግድን ምድስካል ቁጠባዊ ዋንነት እቲ መንግስትን ዘተኮረ እገዳ ክልዓለ’ዩ ዝብል እምነት ኣሕዲሩ ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይ ተራድኦ ትካል ኣመሪካ ናይ ሱዳን ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0