እስራኤል ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ኤምባሲ ዓጽያ

Radio Erena: 10 July 2022

እስራኤል ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ኤምባሲ ዓጽያ።
ማዕከናት ዜና እስራኤል ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣምባሳደር እስራኤል ኮይኑ ዝተመዘዘ እስማዒል ኻልዲ ስለዘይተቐበሎ ምዃኑ ኣመልኪተን።
እስማዒል ኻልዲ ኣብ 2018 እዩ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዙ። እንተኾነ ወግዓዊ ስርሑ ንምጅማር ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ክረክብ ኔሩዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያኢር ላፒድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣውጺእና እነካዪዶ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ፣ ብዘይ ኣምባሳደር ክኸይድ ምጽንሑ ዘየድሊ ወጻኢታት ስለዘኸተለ፣ ነቲ ኤምባሲ ክንዓጽዎ ወሲንና ክብል ሓቢሩ።
ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኣስመራ፣ ንሓለዋ ብዝተዋፈረ ወኪል፣ በዓልቲ ቤቱ ከኣ ምምሕዳራዊ ስራሓት ኮይኖም ከገልግሉ ጸኒሖም። ንለበዳ ኮቪድ 19 ተኸቲሉ ዝመጸ ምዕጻው ቤት ጽሕፈታት፣ ንሶም እውን ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉ ስለዝተገብረ፣ እቲ ኤምባሲ ብዘይ ዝኾነ ሰብ እዩ ጸኒሑ።
እስራኤል ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምዕባይ ሓያል ጻዕሪ ከም እተካይድ ዝገልጹ ዲፕሎማሰኛታት’ታ ሃገር፣ ንኣብያ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ብገለ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ ውሳኔ የተኣሳስሩዎ ኣለዉ።
እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ወንበር ክወሃባ ንልዕሊ 20 ዓመታት እያ ክትጉስጉስ ጸኒሓ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2021 ኣብ ዘኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ እትርከበን 14 ሃገራት፣ እስራኤል ኣብቲ ሕብረት ወንበር ከይወሃባ እየን ኣድሚጸን።
ንምዕጻው ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Tekle 2 years ago

    So what