እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝመለሰቶም ኤርትራውያን፣ ዝኾነ መሰነይታ መንነት ወረቀት ብዘይምሃባ ተነቒፋ

እስራኤል ናብ ርዋንዳ ዝመለሰቶም ኤርትራውያን፣ ዝኾነ መሰነይታ መንነት ወረቀት ብዘይምሃባ ተነቒፋ

Radio Erena: April 7, 2014

Eritreans in Rwanda

እስራኤል ብወለንትኡም ካብ ሃገር ክወጹ ንዝተሰማምዑ 10ታት ኤርትራውያንን ብዘይዝኾነ መሰነይታ መንነት ወርቐት ናብ ርዋንዳ ምምላሳ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ኮኒኖም።

ሆትላይን ፎር ምይግራንት ዎርክስር ዝተባህለ ኣብ እስራኤል ዝነጥፍ ትካል ምስ ሓደ ሓደ ካብቶም ናብ ርዋንዳ ዝተመልሱ ኤርትራውያን ድሕሪ ምዝርራብ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ኤርትራውያን ካብ ሕሱም ናይ ቀይዲ ህይወት እስራኤል ምውጽኦም ሕጉሳት እኳ እንተኮኑ፣ ኣብ ርዋንዳ ብዘይዝኾነ መሰነይታ መንነት ወረቐት ምትራፎም ግና ከምዘሻቕሎም ጠቒሶም።

 

ብመሰረት ናይቲ ትካል ሓበሬታ ርዋንዳ፣ ምስ እስራኤል ብምዝማድ ዝሓሸ ናጽነት ከምዘለዋ እኳ እቶም ኤርትትራውያን እንተጠቐሱ፣ ጉዳይ መነባብሮ ግና ኣዝዩ ኣሰኪፍዎም ከምዘሎ ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠቡን።

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ናብ ርዋንዳ ዝመለሶም ኣስታት 90 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ግዝያዊ ናይ መጓዓዝያ ፍቓድ፣ ማለት ትራቨል ደኩመንትን ናይ 10 መዓልቲ ናይ ቱሪስት ቪዛን ብምድላው’ዩ ናብ ርዋንዳ ኣፋንዎም።

ኣብ ርዋንዳ ድሕሪ ምእታዎም ድማ ናይ 3 መዓልቲ ናይ ሆቴል ተኸፊልሎም ኣብቲ ሆቴል ድሕሪ ምጽንሖም ድማ ሒዞም ዝመጹ ትርራቨል ደኩመንት ከምዝተሓድጉን ካብቲ ሆቴል ድማ ከምዝወጹን ይግለጽ።

መንግስቲ እስራኤል ብወለንትኡ ካብ እስራኤል ንዝወጽእ ዝኾነ ሓተቲ ዑቕባ ዝህቦ 3500 ዶላር’ውን ንዝተወሰነ እዋን ከነባብሮም እኳ ኣንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ ገንዘብ ስለዝተወድአ፣ ስራሕ ይኹን ካልእ መዓልታዊ ህይወቶም ዝመርሕሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ይርከቡ።

ሓያሎ ካብኣቶም’ውን ናብቲ ብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይሳግሙ ከምዘለዉ ይጥቐስ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0