እስራኤል፣ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ይህደን

እስራኤል፣ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ይህደን

Radio Erena: 27 November 2018

12 Years old Eritrean girl killed

ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ቴልኣቪቭ፣ ስልቫና ጸጋይ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ሞይታ ከምዝተረኽበት ንፖሊስ ብምጥቃስ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ሓቢሩ።

እታ ብሰኑይ 26 ሕዳር ሞይታ ዝረኽበት ቆልዓ፣ ኣብ ኣካላታ ዓመጽን ከቢድ ማህሰይትን ከምዝወረዳ ዝገለጸ ፖሊስ፣ ቀታሊኣ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገመተ፣ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ዝተባህለ ሰብኣይ ኣዲኣ ይሃድኖ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካንቶና ሶሎተርን፣ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ፣ ብሰኑይ 26 ሕዳር ብዘጋጠመ ባርዕ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ንጸብጻብ ፖሊስ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፣ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ከድሕኑ ከምዝኸኣሉ ዝገለጻ እተን ማዕከናት ዜና ዝቖሰሉ ከምዘለዉ ኣመልኪተን።

በቲ ባርዕ ሞይቶም ካብ ዘለዉ ሰባት፣ ቆልዑ ከምዝርከብዎ ጸብጻብ ፖሊስ ይጠቕስ። እንተኾነ፣ መንነት ናይቶም ግዳያት ኣየነጸረን።

Swiss fire

እቲ ህንጻ፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብርሉ ምዃኑ ዝሓበሩ ካልኦት ወገናት፣ በቲ ባርዕ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ሓደጋ ሞትን መቑሰልትን በጺሕዎም ክህሉ ከምዝኽእል የገንዝቡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0