እስራኤል፣ ግጭት ኤርትራውያን ስደተኛታት ጸጸኒሑ ይጎሃሃር ከምዘሎ ተገሊጹ

እስራኤል፣ ግጭት ኤርትራውያን ስደተኛታት ጸጸኒሑ ይጎሃሃር ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 07 June 2018

Eri Isreal wounded

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ንሓድሕዶም ዘካይድዎ ባእስን ዕግርግርን ጸጸኒሑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።

እቲ ብምኽንያት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ምትእኽካብ፣ ናብ ሰንበት 3 ሰነ ዘውግሐ ለይቲ ዝጀመረ ናይ ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ግጭት፣ ብሰሉስ’ውን ከምዝቐጸለ ተገሊጹ።

ዮርሳሌም ፖስት ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ ብሰሉስ 5 ሰነ፣ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ መዓርፎ ኣውቶቡስ ኣብ ዝተጓሃሃረ ባእሲ፣ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክቖስሉ እንከለው እቲ ሓደ ብጽኑዕ ዝተሃስየ’ዩ።

ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣቶቡሳት መሳዅቲ ከምዝተሰባበረ’ውን ፖሊስ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣብ ዘቕርቦ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብወገኑ፣ ምስቲ ፍጻሜ ብዝተሓሓዝ 11 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ፖሊስ እስራኤል ምስ ፍሉያት ተደረብቲ ሓይልታት ናብቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ተዋፊሮም ይርከቡ።

ፖሊስ እስራኤል ንወከልቲ ማሕበረ ሰብ ኤርትራን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እስራኤልን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ዘርድ ዘሎ ግጭት ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ’ዞም ኣብ ሓደ ከባቢ ከተማ ቴልኣቪቭ ዝነብሩ፣ ብፖለቲካ ኣብ ክልተ ደምበታት ዝተኸፋፈሉ ኤርትራውያን፣ ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጥርዙ ዓሪጉ ኣሎ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0