እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2500 ኣፍሪቃውያን ሓቲቲ ዑቕባ ናብ መዳጎኒ መዓስከር ክኣትዉ ኣዚዛ

እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2500 ኣፍሪቃውያን ሓቲቲ ዑቕባ ናብ መዳጎኒ መዓስከር ክኣትዉ ኣዚዛ

Radio Erena: February 6, 2014

eri Isra 6

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርራውያን ዝርከብዎም 2500 ኣፍሪቃውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ሖሎት ክኣትዉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ኣቕሪብዎ ዘሎ ጻውዒት፣ ነቶም ኣብ 2012 ሓድሽ ሕጊ ድሕሪ ምጽዳቑ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ዝምልከት ኮይኑ፣ ብወለንትኦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ወይ ድማ ኣብቲ ኣብ በረካ ነገቭ ዝተደኮነ መዓስከር ሖሎት ክዳጎኑ ዘገድድ’ዩ።

እቲ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ፣ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም ኣስታት 50 ሰባት እናገፈፉ ናብቲ መዳጎኒ መዓስከር ከግዕውዞም ጀሚሮም ምህላዎም’ውን ይፍለጥ።

 

መዳጎኒ መዓስከር ሖሎት፣ ኣስታት 3 ሽሕ ስደተኛታት ንምድጓን ተባሂሉ ዝተሃንጸ ሓድሽ መዓስከር ኮይኑ ኣስታት 11 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ንምድጓን ተወሳኺ ናይ ምስፋሕ ስራሕ ይካየደሉ ኣሎ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0