እስራኤል፣ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ክትመልስ ጀሚራ

እስራኤል፣ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ክትመልስ ጀሚራ

Radio Erena: February 21, 2014

Isra Ugan

መንግስቲ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ዝርብዎም ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ምምላስ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነቶም ድሮ ናብ ኡጋንዳ ኣፍንያዎም ዘሎ 10ታት ስደተኛታት፣ ካብ ሃገሩ ክወጽእሉ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን እንታይ ክገጥሞም ይኽእል ዝኾነ መጽናዕቲ ኣየካየደሉን።

ኡጋንዳ’ውን ነቶም ስደተኛታት ተቐቢላ ከተዕቑብ ዓሚ ስለዘለዋ ዘይኮነ፣ ኣምሳያ ናይቲ መንግስቲ እስራኤል ዝሰጎጎም ስደተኛታት ምቕባላ ናይ ገንዘብን ካልእን ሓገዝ ንኽግበረላ’ያ ክብሉ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።

እንተኾነ መንግስቲ ኡጋንዳ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝኸተሞ ዝኾነ ወግዓዊ ውዕል ከምዘየለ’ዩ ዝሕብር።

 

ዛጊት ካብ እስራኤል ናብ ኡጋንዳ ተመሊሶም ዘለዉ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝሖም ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ 10ታት ስደተኛታት ድሮ ተፋንዮም ምህላዎም ግና ንሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ዮርሳሌም ፖስት ገሊጹ።

እቶም 10ታት ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተመልስሉ ንነፍሲ ወከፎም 3500 ዶላር ከምዝተዋህቦም’ውን እቲ ናይታ ማዕከን ዜና ጸብጻብ ይሕብር።

ኣቐዲሙ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ብወለንትኦም ካብ እስራኤል ክወጹ’ዮም ክብል ምግላጹ ይዝከር።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0