እስራኤል፣ ኣብያተ ሺሻን ቁማርን ቀንዲ መተሓላለፊ ዓባይ ሰዓል ኤርትራውያን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

እስራኤል፣ ኣብያተ ሺሻን ቁማርን ቀንዲ መተሓላለፊ ዓባይ ሰዓል ኤርትራውያን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 16 July 2018

Shisha Israel

ኣብ እስራኤል፣ ብዓባይ ሰዓል ወይ ቲቢ ናይ ዝጥቅዑ ዘለው ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብዝሒ እናዛየደ ክመጽእ ምጽንሑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ናይዚ ድማ፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ ብዙሓት ሰባት ብሓባር ምንባር፣ እኹል ንፋስ ዘይኣትዎ፣ ኣብያተ ሺሻ፣ እንዳ ቢልያርዶን ቁማርን ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ነዚቲ ኩነታት ንሸውዓተ ዓመታት ብቀረባ ካብ ዝከታተልዎ ሓደ ዝኾነ ብርሃነ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ካብ 2011 ኣትሒዙ ዓመታዊ ክሳብ 240 ሰባት ብሕማም ቲቢ ይልከፉ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓባር ናይ ዝነብሩ ብዝሒ ሰባት እናጎደለ ይመጽእ ስለዘሎ፣ እቲ ሕማም’ውን ብኡ መጠን ክቕንስ ምኽኣሉ ኣረዲኡ።

ንሱ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ናብዞም እኹል ንፋስ ዘይኣትዎም ኣብያታ ሺሻ፣ ቁማርን ቢልያርዱን ካብ ምኻድ ክቁጠቡ፣ ብሕማም ቲቢ ዝተጠቐዐ መዳቕስቲ ወይ ናይ ቀረባ ሰብ እንተሎ፣ ጥንቃቐታት ምግባርን፣ ግቡእ ሕክምናዊ መርመራ ክያድን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ተኣለይቲ ከኣ፣ ነቲ ሕማም ክስዕርዎ ምዃኖም ክቕበልዎን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝወሃብ ሕክምናን ምክትታልን ብስሩዕ ከተግብሩን ተላብዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0