እስራኤል፣ ንትግባረ ናይቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ሕ/ ዝኸተመቶ ስምምዕ ደው ከምዘበለቶ ተገሊጹ

እስራኤል፣ ንትግባረ ናይቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ ሕ/ ዝኸተመቶ ስምምዕ ደው ከምዘበለቶ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 April 2018

Natanyahu says no

እስራኤል፣ ነቲ ብሰኑይ 2 ሚያዝያ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኸተመቶ ስምምዕ ደጊማ ክትምርምሮ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር በንያሚን ናታንያሁ ምግላጹ ማዕከን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ መንግስቲ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምጥራዝ መደብ ደው ከምዘበለቶ’ዩ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኣስታት 16 ሽሕ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ካናዳ፣ ጀርመንን ኢጣልያን ክጣየሱ እቶም ዝተረፉ ኣስታት 16 ሽሕ ድማ ኣብ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ዝብል’ዩ።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ብመንገዲ ፌይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ እስራኤል ምስ ወከልቲ እቲ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝነብሩሉ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ ተዘራሪቡ ኣብ ሓደ ውሳኔ ክሳብ ዝበጽሕ፣ ትግባረ ናይቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ ደው ኢሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣርየ ደሪን ብሰሉስ 3 ሚያዝያ ምስ ወከልቲ ነበርቲ ደቡብ ቴልኣቪቭ ድሕሪ ምዝርራቦም፣ እቲ ስምምዕ ዳግመ መርመራ ክካየደሉ ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ወከልቲ ጀርመንን ኢጣልያን ብዛዕባ’ቲ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ናብዘን ሃገራት ናይ ምጥያስ መስርሕ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተኸቲሙ ዝብል ብቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ዝተዋህበ መግለጺ ዝኾነ ኣፍሊጦ ከምዘይብሎም ምግላጾም እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ኤምባሲ ጀርመን ካብ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ጠለብ ወይ ሕቶ ከምዘይቀረበ ከመልክት እንከሎ፣ ሚኒሱሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ’ውን ብተመሳሳሊ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመ ምግላጹ ጋዜጣ ላ ሪፖብሊካ ሓቢራ።

ላዕለዋይ ኮሚሽኝ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ብ2 ሚያዝያ ዝኸተመሉ ስምምዕ፣ ተመሊሱ ኣብ ቲ ዕለት እቲ ምስራዙ ዝተሰምዖ ቅሬታ ገሊጹ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0