እስራኤል፣ ንሓደ ኤርትራዊ ብካራ ብምቕታሎም ዝተኸሰሱ ሰለስተ ኤርትራውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

Radio Erena: 02 January 2020
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ከተማ ቴልኣቪቭ ንሓደ ኤርትራዊ ብኻራ ከምዝቐተሉ ዝተኸሰሱ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

ንሳቶም፣ ኪሮስ ተስፋሚካኤል ንዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ደጋፊ ህግደፍ ብምዃኑ ጥራይ ብካራ ወጊኦም ከምዝቐተልዎ’ዩ ዝጠቅስ ጸብጻብ ሃረጽ።

ኣብቲ ቅትለት ምትሕብባር ኔርዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ራብዓይ’ውን ክሲ ቀሪቡሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ እስራኤል፣ ደቡብ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ከባቢ ሃክቲቫ፣ ሓደ ኤርትራዊ ብኻራ ክቕተል እንከሎ ካልእ ዲያቆን ድማ ተወጊኡ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኤርትራውያን ብናይ ጎደናታት ካሜራ ስለዝተሳእሉ፣ ነዊሕ ከይጸንሑ’ዮም ብፖሊስ ተታሒዞም።

ኣብ እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ህግደፍ ክርአ ዝጸንሐ ምስሕሓብ፣ ጸጸኒሑ ናብ ጎነጽ ክዓርግ ይርአ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0