እስራኤል፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንኻልኣይ እዋን ምሉእ ምዕጻው ኣዊጃ

Radio Erena: 15 September 2020

ኣብ እስራኤል፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እናዛየደ ብምምጽኡ፣ እታ ሃገር ንኻልኣይ እዋን ምሉእ ምዕጻው ኣዊጃ።

እቲ ንካልኣይ እዋኑ ተኣዊጁ ዘሎ ምዕጻው፣ ካብ ዓርቢ 18 መስከረም ኣትሒዙ ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሐ’ዩ።እቲ

ኣብ እስራኤል ዛጊት፣ ልዕሊ 156 ሽሕ ሰባት ብኮረና ክልከፉ እንከለዉ፣ ሞት ናይ 1119 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝልከፉን ህጹጽ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባትን ብዝሒ እናዛየደ ስለዝመጸ፣ እታ ሃገር ንኻልኣይ እዋና፣ ዕጻው ክትእውጅ ተገዲዳ ምህላዋ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ ምዕጻው፣ ኣብ ቁጠባ እስራኤል 1.8 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከስዕብ ከምዝኽእል ተገሚቱ።

ብፍላይ፣ ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ኣብ ናይ መዓልታዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ነበርቲ እታ ሃገር፣ እቶም ብዝያዳ ክጽለዉ ዝኽእሉ ምዃኖም ተገሚቱ ኣሎ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ድሕሪ ዝተኣወጀ ምዕጻው፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ክዝሕል ተራእዩ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሪ ምኽፋትን ምንቅስቓስ ሰባት ምጅማሩን ግና እቲ ለበዳ እንደገና ክንህር’ዩ ተራእዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0