ኤርትውያን ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ኣሮን ክፍለን ራሄል ዳንኤልን፡ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ጉያ መሮር ቀዳማት ኮይኖም ተዓዊቶም

Radio Erena: 14 November 2021

ኤርትራውያን ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ኣሮን ክፍለን ራሄል ዳንኤልን፡ ሎሚ ሰንበት 14 ሕዳር ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተሰላሰለ መበል 17 ውድድር ጉያ መሮር ኣታፕዌርካ ንመቐዳድምቶም ብምብላጽ ቀዳማት ኮይኖም ተዓዊቶም።

ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ኣሮን ክፍለ፡ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ 9 ኪሎ ሜትር ዝርሕቀቱ ውድድር ንኽሽፍን 25 ደቓይቕን 33 ካልኢታትን ወሲዱሉ።

ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ፣ 8 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝንውሓቱ ርሕቐት ዝተወዳደረት፡ ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ራሄል ዳንኤል፣ ብ25 ደቓይቕን 2 ካልኢታትን ዛዚማቶ።

ራሄል ወናኒት ሃገራዊ ክብረወሰን 5 ሽሕ ሜትር እያ።

ወዲ 23 ዓመት ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ኣሮን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓበይቲ ውድድራት ንኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ኣብ ቫሌንሽያ ስጳኛ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ፍርቂ ማራቶን ዓለም ነሓስ ሜዳልያ፡ ኣብ 2019 ኣብ ውድድር ኣፍሪካን ጌምስ ራባት ሞሮኮ፡ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ብሩር ሜዳልያ ተሸሊሙ።

ኤርትራዊ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሴ’ውን ኣብ’ዚ ናይ 14 ሕዳር ዝተኻየደ ናይ ኣታፕዌርካ ውድድር ተሳቲፉ፣ ብ26 ደቓይቕን 12 ካልኢታትን ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዑ።

ኣብ’ዚ ኣብ ጥቓ ከተማ ቡርጉስ ዝተገብረ ቅድድም ተወላዲ ብሩንዲ፣ ሮድሪግ ክዊዜራ ካብ ኣሮን ብሓንቲ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ ኣትዩ።

ኡጋንዳዊ ዮኤል ኣዮኮ ድማ፡ ብተወሳኺ 2 ካልኢታት ተፈንቲቱ፡ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ናይ ደቂንስትዮ፣ ኬንያውያን ኣትሌታት ኖራህ ጀሩቶን ቤኣትሪቸ ቸበትን ነፍሲወከፈን ንራሄል ብሓንቲ ካልኢት ተኸቲለን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ኣትየን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0