ኤርትራ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ መሸላ ካብ ህንዲ ትሽምት

ኤርትራ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ መሸላ ካብ ህንዲ ትሽምት

Radio Erena: April 2, 2014

Er India

ኤርትራ ዓመታዊ ኣስታት 200 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ማሸላ ካብ ህንዲ ከምእትሽምት ክፍሊ ንግዲ ህንዲ ገሊጹ።

እቲ ክፍሊ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ብ40 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ብምጥቃስ፣ ኣብ ቀጻሊ’ውን ካብዚ ዘለዎ ክዓቢ ዘለዎ ተስፋ ኣተንቢሁ።

ኣብ ዓመተ 2011ን 2012ን ካብ ኣብ መንጎ ህንድን ኤርትራ ዝተኽእየደ ንግዳዊ ልውውጥ 35 ሚልዮን ዶላር ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ክሳብ መፋርቕ 2013 ድማ 22 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ’ዩ ኣረዲኡ።

 

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ህንድን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ፣ እቲ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ህንዲ ናብ ኤርትራ እትልእኮ ኣቑሑ ክሽፍን እንከሎ እቲ ኣስታት 20 ሚእታዊት ድማ ኤርትራ ናብ ህንዲ እትእልኮ ጥረ ነገራት’ዩ ዘጠቓልል።

ኤርትራ ክብ ህንዲ መሸላ፣ መድሃኒት፣ ናይ ህንጻ ኣቝሑ ካልእን ዝኣመሰለ ክትሽምት እንከላ፣ ናብ ህንዲ ድማ ዝበዝሐ እትልእኮ ጥረ ነገረ ቆርበት ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ህንዲ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከብ ኣስታት 400 ዜጋታታ ብሕእዋላ ዝርከብ ኣታዊታት ብቀሊሉ ከምዘይትርእዮ’ዩ ዝንገር።

ህንዲ ምስ ኤርትራ ኣብ ሕርሻ፣ ዕደናን ትምህርትን ዘተኮረ ወፍርታት ከተካይድ ከምእትደሊ’ውን ብተደጋጋሚ’ያ ትገልጽ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0