ኤርትራ ካብ እትርከበን 20 ሃገራት ዝተወከሉ 90ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ ዙር ጋቦን 23 ጥሪ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 17 January 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኤርትራ ካብ እትርከበን 20 ሃገራት ዝተወከሉ 90 ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ፣ መበል 16 ውድድር La Tropicale Amissa Bongo ዙር ጋቦን 23 ጥሪ ክጅምር’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ዙር ርዋንዳ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ውድድር፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብኣሰልጣኒ ሳምሶን ሰለሙን ዝምርሑ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ልኢኻ ኣላ።

ኣብዚ ውድድር፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራውያን ጋንታታት ካብ ኣፍሪቃ፣ ካብ ኤውሮጳን ካልኦት ክፋል ዓለምን ዝመጻ ድማ ሰለስተ ፕሮ – ኮንቲነንታልን ክልተ ኮንቲነንታልን ክለባት ክቐዳደማ’የን።

ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ኣብዚ ዙር ክቐዳደሙ ተሓርዮም ዘለው ካብ ክለባት ውሽጢ ሃገርን ደገን ዝተዋጽኡ ኮይኖም፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን፣ ዳዊት የማነ፣ ኤፍሬም ገብረሂህይወት፣ ሚካኤል ሃብቶም፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ሜሮን ተሾመን’ዮም።

ብዘይካ’ዚኣቶም፣ ናትናኤል ብርሃነ’ውን ንናይ ቱርኪ ኮንቲነንታል ክለብ ብምውካል ኣብዚ ቅድድም ክሳተፍ’ዩ።

ምስዞም ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ዙር ጋቦን ዝሳተፉ፣ ሸውዓተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዘላሊ ትሕዝቶታት ድሕሪ ዜና ኣብ ዘሎ ናይ ስፖርት መደብና ክቐርብ ምዃኑ ኣቐዲምና ነዘኻኽረኩም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0