ኤርትራ እትርከቦ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተዋፈረ ተገሊጹ

ኤርትራ እትርከቦ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተዋፈረ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 August 2015

IsuTam

ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ሓይሊ ኣብታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖዴዳን ካልእ ከባቢታትን የመን መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ዝተዋጽአ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ጋዜጣ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ሓቢራ። 

እታ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻባ፣ እቲ ከም ኤርትራ፣ ሶማልን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ኣፍሪቃን ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ዝርከብኦ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ፣ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዜግነት ብዘለዎ ብርጋዴር ጀነራል ዓሊ ኣሕመድ ጥኔጂ ክእዘዝ’ዩ።

 

ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዓደን ናብ ከባቢ ቀይሕ ባህሪ ናብ ዝርከባ ከተማታት ዛዝዩ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኤርትራ ንዝህልዋ ኣበርክቶ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን ዘተ ይካየድ ምህላዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀጠር ዘካየዶ ዑደት’ውን ምስዚ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ጠቒሶም።

ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደሮቦ መንሱር ሓዲ’ውን ኣቐዲሙ ናብ ቀጠር ዑደት ብምክያድ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕበ ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና ወሽመጥ ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ’ዚ ምስ ኣመሪ ቀጠር ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ናብ ዓደን ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ መዓልቲ ‘ዒድ ኣል ኣድሓ’ ናብ ከተማ ዓደን ከምዝኣቱ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ከተማ ዓደን በየናይ መንገዲ ከምዝለስ ግና ኣይተነጸረነ።

ኣቐዲሞም፣ ብውሕዱ ክልተ ካብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ ካብ ሪያድ ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ናብ ዓደን ኣትዮም’ዮም።

ብሰራዊት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ሓይሊ መንግስቲ የመን፣ ንከተማ ዓደን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸራ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ጸጥታ እታ ከተማ ብተዛማዲ ተመሓይሹ ከምዘሎ ይሕበር።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0