ኤርትራ እታ እንኮ ኣብ ኣኼባ ነጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ዝቦኾረት ሃገር ኮይና

Radio Erena: 19 February 2023

ኤርትራ ካብ ኣኼባ ስምምዕ ነጻ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣፍሪቃ ቦኺራ።

ኣብዚ “ምፍጣን ትግባረ ስምምዕ AFCFTA”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ 15ን 16 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቓንዐ ኣኼባ፡ኩለን ማለት 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ እንከለዋ፡ኤርትራ ጥራይ ንበይና ቦኺራ።

ኣብ 2019 ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ነጻ ናይ ሰብን ኣቑሕን ምንቅስቓስ ንኽህሉ ብዝብል ዕላማ ዝተበገሰ እዚ ወፍሪ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ንሰለስተ ዓመታት ኣኼባ ኣቋሪጹ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዓለማዊ ባንክ ብዝሃቦ ገምጋም እዚ ስምምዕ ንልዕሊ 50 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍትን፡ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓድሕድ ዝገብርኦ ንግዲ ካብ 15 ናብ 60 ሚእታዊት ክብ ክብል ዘኽእል’ዩ።
ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ቁጽሪ መንእሰያት ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ብመንገድዚ ስምምዕ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ዝዓበየ ማእከል ነጻ ንግዲ ክህልዋ’ዩ። ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳኣት፡ቁጠባዊ ጋግን ናይ ምንቅስቓስ ዕድላትን ንትግባረ እዚ ስምምዕ ዓበይቲ ብድሆታት ከም ዝኾንዎ ይግመት።

መላእ ኣፍሪቃ ንምዕባለ ተላዒሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡እቲ ገዛእ ዜጋታቱ ካብ ሃገር ክወጹስ ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብነጻ ክንቀሳቐሱ ዘይፈቅድ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሽርክነት ዘይምጽንባሩ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ዘገረመ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።

000000000000

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0