ኤርትራ ኣብ ግጥማ ሴካፋ 2013 ምስታፋ ኣጠራጣሪ’ዩ ተባሂሉ

ኬንያ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ- ሴካፋ 2013 ንምእንጋድ ተመሪጻ።

ኣብቲ ካብ 24 ሕዳር ክሳብ 4 ታሕሳስ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ 2013፣ ኤርትራ ምስታፋ ኣጠራጣሪ’ዩ ይብሃል ኣሎ።

 

ኤርትራ ኣብዚ ዞባዊ ግጥም ምስታፋ ኣጣራጣሪ’ዩ ዝብሃል ዘሎ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኬንያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ግጥማት ዝበዝሑ ተጻወቲ ስለዝሃደሙ’ዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ሴካፋ ቅድሚ’ቲ 18 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝሃደምሉ ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየድ ግጥም፣ ንተጻወቲ ኤርትራ ከይሃድሙ ጥንቓቐ ክግበረሎም ኣለዎ ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ኣብ 24 ሕዳር ዝጅምር ግጥማት ሴካፋ ድማ ኤርትራ ክትሳተፍ እንተወሲና፣ ተመሳሳሊ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ እንታይ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ከምዝፍለጥ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዞባዊ ግጥማት ንምክያድ ኣብ ዝገሽሉ ክሳብ 100 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ወይ ንብረት ብዋሕስ ከትሕዙ’ዮም ዝግደዱ።

ግጥማት ሴካፋ 2013 ንምእንጋድ ኬንያን ርዋንዳን ተሓጽየን እኳ እንተነበራ፣ ኬንያ ነዚ ናይ ሴካ ርዋንዳ ድማ ኣብ 2016 ኣብ ዝካየድ ግጥማ ቻምፕዮንሺፕ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምእንጋድ ተረቝሓ።

ኬንያ ኩሉ ግጥማት ሴካፋ 2013 ካብ ከተማ ናይሮቢ ወጻኢ ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር ከተካይዶ ምዃና’ያ ትገልጽ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0