ኤርትራ ኣብ ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሳ

Radio Erena: 07 March 2023

ኤርትራ ንመበል 52 ግዚኡ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሳ።

ካብ 27 ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ 4 መጋቢት ኣብ ዝቕጽል ኣኼባ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰኑይ 6 መጋቢት፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ክሰምዕ ውዒሉ።

ምክትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ንሰብኣዊ መሰላት ናዳ ኣል ናሺፍ ንኤርትራ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ጸብጻብ፡ ዝሓለፈ እዋን ጸብጻብ ካብ ዘቕረበትሉ ንደሓር፣ ኲነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ገና ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ከም ዘሎን ፍጹም ናይ ምምሕያሽ ምልክት ከም ዘየርኣየን ጠቒሳ።

ንሳ ብምቕጻል ቤት ጽሕፈታ ናይ ግዱድ ማሕዩር፡ ስቓይ፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሕዩራት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ገደብ መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ ገደብ ምእካብን ውደባን ዝርከብዎም ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ብምግላጽ፡ ኣሽሓት ፖለቲካውያን እሱራትን ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ብዙሓት ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥን ኣስሚራትሉ።

ኤርትራውያን ንግዱድ ዕስክርና ዝተጋለጹ እዮም እትብል እታ ኮሚሽነር፡ኤርትራውያን መንእሰያት ይግፈፉ ከም ዘለዉን፡ ብኣገዳድ መቕርቦም ናብ ዕስክርና ክልእኩ ዘይከኣሉ ስድራቤታት ኣደዳ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ማእሰርትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ሓቢራ።

ኣብ 2022 ልዕሊ 160ሽሕ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ፡ 130 ሽሕ ካልኦት ድማ ናብ ሱዳን ከም ዘምርሑ ብምግላጽ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ጠንቂ ስደት ዜጋታት ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ገለ ሃገራት ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ብምምላስ ናብ ተመሳሳሊ ኣደራዕ ከየቃልዕዎምን ተማሕጺና።

ኤርትራ ብስም ልኡላውነት ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ኣደራዕ እናውረደት ስቕ ክበሃል ኣይግባእን ድሕሪ ምባል፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ 2016-17 ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ግቡእ ተሓታትነት ከይተገብረሉ ጸኒሑ ከይኣክል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ክሕተተሉ ጸዊዓ።

መንግስቲ ኤርትራ ምሳና ንምትሕብባር ፍቓደኛ ኣይኮነን እትብል ምክትል ኮሚሽነር ናዳ፡ ኤርትራ ኣባል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ክነሳ፡ ከምዚ ዓይነት ባህርይ ከተርኢ ምኽኣላ ዘሕዝን እዩ ኢላ። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈታ ምትሕብባሩ ከዛይድን፡ ግሉጽ ዝርርብ ክገብርን፡ ሃገራት ድማ ኤርትራ ምስቲ ኮምሽን ሃናጺ ጽምዶ ንኽትገብር ከበራትዓኣ ጸዊዓ።

ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ሃገር ምዃናን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ብዝተፈላለየ ምግሃስ መሰላት ስማ ከምዝለዓል ገይሩ ከምዘሎን ይግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0