ኤርትራ ንወፍሪ ዕድና ካብ ዝስሕባ ቀዳሞት 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና ምህላዋ መጽናዕታት ይገልጹ

Radio Erena: 02 March 2017

Minin Inves

ኤርትራ ንወፍሪ ዕድና ካብ ዝስሕባ ቀዳሞት 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና ከምዘላ ኣብ ዕደናን ወፍርን ዘተኮረ ዝተፈላለየ መጽናዕታት ይሕብር።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 16 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብ ዕደና ዝተፈላለየ ማዕድናት ተዋፊረን ከምዝርከባ ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ሓደ ካብቶም ዕውታት ናይ ዕደና ኩባንያታት ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ኔቭሰን ናይ ካናዳ፣ ኣብ ትሕቲ ኩባንያታት ህንጻ ናይ ህግደፍ፣ ሰገንን ካልኦትን ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተመዲቦም ንዝመጽጽዎ ኣማኢት ኣብ ናይ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ኣዋፊሩ ብዝብል ክሲ ተመስሪትሉ ይርከብ።

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻ ካብ ዝዕድኖ ዘሎ ወርቂ ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ካብ ዝጅምር ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ መኽሰብ ከምዘረከበ ይገልጽ።

እንተኾነ፣ ካብ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰንን ካእሎትን ንዝርከብ ኣታዊት መንግስቲ ኤርትራ ብዘይንጹርን ተሓታትነት ብዝጎደሎን ኣተሓሕዛ ብምስጢር የሰጋግሮ ብምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝንገር።

ብመሰረት ናይ 2017 ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት፣ ኤርትራ ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ካብ ዝርከባ ሰለስተ ቀዳሞት ሃገራት ዓለም ሰሪዑዋ ይርከብ።

ብዕደና ሃብታማት ዝኾና ከም ኮንጎ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ህዝበን ብትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ዝሳቐየሉ ዘሎ ኣውራ ምኽንያት፣ ካብ ዕደናን ካልእን ዝርከብ ኣታዊታት፣ ናብ ረብሓ ህዝቢ ከይውዓለ፣ ኣብ ምዕጣቕ ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ብብልሽናን ስለዝጠፋፋእ ምዃኑ ይሕበር።

ንወፍሪ ዕደና ካብ ዝስሕባ ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂላ ምስ ቀዳሞት ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ’ውን፣ ትኽተሎ ዘላ ኣካይዳ ካብዘን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይፍለ ብምዃኑ፣ ህዝቢ ካብ ኣታዊታት ዕደና ምዕሩይ ረብሓታት ክረክብ ከምዘይክእል ሓያሎ ወገናት ይሰማምዑ።

ብዘይካ’ዚ’ውን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወፍሪ ዕደና ጥራይ ብምድሃቡ፣ ከም ኢንዱስትሪታት ዓሳን ሕርሻን ኣድህቦ ስኢኑ ምህላዉ ይግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0