ኤርትራ ናይ እትርከበን ወከልቲ ሃገራት ኢጋድን ኢጣልያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘትዮም

ኤርትራ ናይ እትርከበን ወከልቲ ሃገራት ኢጋድን ኢጣልያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘትዮም

Radio Erena: 01 November 2018

italy_igadኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ወከልቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ኬንያን ምስ ወኪል ኢጣልያ ዘትዮም።

እቲ ዋዕላ ብኤምባሲ ኢጣልያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ኮይኑ፣ ሓድሽ ምዕባለታት ሰላም እቲ ዞባን ኢጣልያ ክትገብሮ እትኽእል ኣበርክቶን ብምትኳር’ዮም ተመያይጦም።

ኩለን’ተን ሃገራት ብደረጃ ኣምባሳደራት ክሳተፋ እንከለዋ፣ ኤርትራ ግና ድሕሪ ሞት ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፣ ካልእ ኣምባሳደር ክትትክእ ብዘይምኽኣላ፣ ብደረጃ ጸሓፊ’ያ ተሳቲፋ።

ኢጣልያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዕላማ ዝገበረ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን ከምዝወደበት ይዝከር።

ጎኒ ጎኒ’ቲ ንካልኣይ እዋኑ ዝተወደበ ዋዕላ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኢጣልያን፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ሓባራዊ ዘተ ኣካይዶም’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዑደት ብምክያድ ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።

ኢጣልያን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበረ እገዳ ክልዓል ይድግፋ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ዝበዝሐ ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ይመጻ ከምዘሎ እትገልጽ ኢጣልያ፣ ነዚ ዋሕዚ’ዚ ንምግታእ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትተሓጋገዝ ከምትደሊ’ዩ ዝጥቀስ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0