ኤርትራ ናብ ኣባልነት ድሉው ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትጽንበር ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ጸዊዑ

ኤርትራ ናብ ኣባልነት ድሉው ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትጽንበር ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ጸዊዑ

Radio Erena: 19 December 2018

General Ouf

ኤርትራ፣ ናብ ኣባልነት ድሉው ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ (East African Standby Force) ክትምለስ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፣ ጀነራል ዓዋድ መሓመድ ኣሕመድ ኢብን ዖውፍ ጸዊዑ።

ሱዳን ትሪቡን ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝጸውዐ ብ16 ታሕሳስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጠቕለልቲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣባላት ሃገራት’ዩ፣

ድሉው ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ 10 ሃገራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ኣብቲ ዞባ፣ ዶባት ሰጊሩ ንዝፍጸም ገበናትን ተኽእሎ ሽበራን ኣብ ምቁጽጻር ዝዓለመ’ዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፣ ኤርትራ ናብዚ ዞባዊ ሓይሊ ክምለስ ዝጽውዕ ዘሎ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ ዘይብሉ ምትእኽኻብ ሸውዓተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንምምስራት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሪያድ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዳ’ዩ።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0