ኤርትራ ናብ ሓባራዊ ዕቑር ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትጽምበር ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኤርትራ ናብ ሓባራዊ ዕቑር ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትጽምበር ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 20 September 2018

easf     ኤርትራ ናብ ሓባራዊ ዕቑር ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትጽምበር ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

     ዳይረክተር’ቲ ጥርናፈ ዓብዱላሂ ዑመር ቡህ ንሺን ሁዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምጽምባር ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ኣብቲ ንወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሱዳን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ብደረጃ ሚኒስተራት ዝካየድ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ክፍጸም’ዩ።

     እንተኾነ እቲ ን10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ዕቑር ሰራዊት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ወግዓዊ ሕቶ ክቐርበሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

 

 

     ዕቑር ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 5,300 ኣባላት ዘለዉዎ ኮይኑ ኣብ ኣባል ሃገራት ንዘጋጥም ሃንደበታዊ ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ስግኣት፣ ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ ዝቖመ’ዩ።

     ኣብ 2004 ከምዝተመስረተ ዝፍለጥ እዚ ናይ ህጹጽ ረዲኤት ዕቑር ሰራዊት፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንዘይተረኽቦ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ብጻውዒት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ እዩ።

     ብሩንዲ፣ ኮሞሮስ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ሲሸልስ፣ ሶማልያ፣ ሱዳንን ዩጋንዳን ኣባል’ዚ ጥርናፈ ክኾና እንከለዋ ደቡብ ሱዳን ከኣ ካብ 2013 ኣትሒዛ ናይ ተዓዛብነት ወንበር’ዩ ጸኒሑዋ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0