ኤርትራ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

ኤርትራ ብናጽነት ፕረስ ንተኸታታሊ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ

Radio Erena: February 13, 2014

rsf Eri Tig

ኤርትራ ሎሚ ዓመት’ውን ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ከምዘላ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ገሊጹ።

ካብ 180 ሃገራት፣ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ንደሓር ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛትት ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ትርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ የእትዎም ብዘሎ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ምህላዉ በብእዋኑ ክጠቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ብናጽነት ፕረስ ንኤርትራ ስዒበን ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት ዓለም፣- ሰሜን ኮርያ፣ቱርኪሚንስታን፣ ሶርያ፣ ሶማልያን ቻይናን’የን።

ኤርትራ ብናጽነት ፕረስ፣ ንተኸታታሊ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ክትስራዕ ዝኸኣለት እንኮ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0