ኤርትራ ሰራዊታ ናብ የመን ክትልእኽ፣ ስዑዲ ዓረብ ትሓትት ከምዘላ ተገሊጹ

ኤርትራ ሰራዊታ ናብ የመን ክትልእኽ፣ ስዑዲ ዓረብ ትሓትት ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 August 2018

dia with saudiስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ ሰራዊታ ናብ የመን ክትልእኽ ትሓትት ከምዘላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብወገን ኤርትራ፣ ቅድሚ 5 ኣዋርሕ ኣትሒዙ እቲ ሓሳብ ከምዝተላዕለ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ኣቐማምጣ መሬት ኤርትራ ምስ ናይ የመን ዝመሳሰል ስለዝኾነ፣ ፍሉይ ስልጣና ዝወስድ ሓባራዊ ሰራዊት ናብ ኤርትራ ክልኣኽን፣ ኤርትራውያን’ውን ከም ኣካል ናይቲ ብስዑዲ ዝቖመ ልፍንቲ ሰራዊታ ክትጽንብርን ስዑዲ ዓረብ ትሓትት ከምዘላ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

እንተኾነ ኤርትራ፣ ነዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጠለብ ንምትግባር ዘለዋ ድሉውነት ገና ኣይተነጸረን።

ስዑዲ ዓረብ ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያን’ውን ምስ ናይ ኤርትራ ዝተወሃሃደ ሰራዊት ናብ የመን ክዋፈር ትሓትት ከምዘላ’ዮም እቶም ምንጭታት ዝእምቱ።

ከም ሞሳ ናይዚ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ነዳዲ ብልቓሕን ብሓገዝን ነዘን ሃገራት ክወሃበን ኣብ ዝብል ሓሳብ ምይይጥ ይካየደሉ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብወግዒ ኣባል ናይቲ ብስዑዲ ዝቖመ ናይ ልፍንቲ ሓይልታት ሃገራት ዓረብ ዝኾነት ኤርትራ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን ንእተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ፣ ወደባትን መዓርፎ ነፈርታን ክትጥቀም ከምዝፈቀደት ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ፍሉያት ሓይልታት የመን ኣብ ኤርትራ ከተሰልጥን ጸኒሓ’ያ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘርእየኦ ዘለዋ ምጉያይ፣ ነዚ ሰራዊት እዘን ክልተ ኣብ ምትፍናን ዝጸንሓ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ የመን ንምውፋር ዘጠቃለለ’ዩ ክብሉ’ዮም እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ዘረድኡ።

ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰራዊታ ናብ የመን ዘዋፈረት እንኮ ሃገር ሱዳን’ያ።

ሱዳን፣ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምድጋፍ፣ ልዕሊ 1,500 ወተሃደራት ናብ የመን ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0